ሽፋን ጥዕና
Alberta Health Care Insurance Plan (AHCIP)
ኣልበርታ ማእኸል ጥዕና ትልሚ መድሕን (AHCIP) ግልጋሎት ጥዕና ንምርካብ ምምዝጋቦም ርግፀኛ ይኹኑ
ሓደሽቲ ወይ ዝተመለሱ ተቐመጥቲ ኣልበርታ ንሆስፒታል ገንዘብ ወይ ክዓ ግልጋሎት ሓኪም ምእንቲ ኸይትኸፍሉ ናይ ኤች. ሲ. ኣይ. ፒ. (AHCIP) ምዝገባ ክተካይዱ ኣለኩም።
ክትምዝገብ ከለኻ ነዚ ዝስዕብ መረዳእታ ኸተቕርብ ኣለካ፦
መንነት (ብመንግስቲ ዝተወሃበ ናይ ፎቶ መለለዪ መንነት)።
ኩነታት ካናዳ (ፓስፖርት፣ ምስክር ወረቐት ልደት፣ ቀዋሚ መንበሪ፣ ፍቓድ ስራሕ)።
ኣብ ኣልበርታ ዚርከብ መንበሪ (ካብ ኣስራሒ እተላእከት ደብዳበ፣ ናይ ነዊሕ ግዜ ውዕል ክራይ ፣ ውዕል ስራሕ)።
ዝኾነ ይኹን በዓል ሞያ ጥዕና ኽትርኢ ኸለኻ ካርድ ክንክን ጥዕናኻን መለለዪ መንነት ፎቶኻን ኣርእዮ።
ናበይ ክኸዱ ይደልዩ፡
መዝገብ ባንፍ 103, 211 ጐደና ቢር
መድሕን ተወሳኺ ጥዕና
AHCIP ኩሎም ግልጋሎት ኣይሽፍንን ።
መድሓኒታት ከምኡውን ካልኣይ ደረጃ ግልጋሎት ጥዕና (ሓኪም ስኒ፣ ኦፕቶሜትሪስት፣ ፊዝዮተራፒስት፣ ወዘተ) ብኤች. ሲ. ኣይ. ፒ (AHCIP) ኣይሽፈኑን፡፡
ነዚ ናይ ጥዕና ጥቕምታት ፕሮግራም ንምርካብ ብቑዕ እንተኾይኖም ንኤች. ሲ. ኣይ. ፒ (AHCIP) ይሕተቱ፥
ንዓበይትን ቆልዑን ዝኸውን ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ናይ ጥዕና ፕሮግራማት ኣለዉ።
ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎም ሰባት ዝረኽብዎ ጥቕምን መደባትን።
ኣልበርታ ሓገዝን ንመዓልታዊ ናብራ ዘድሊ ጥቕምታትን ናውትን ዘድሊ ኣቕረቦትን።
ናይ ተወሰኽትን ትፅቢት ዘይተገበረሎም ወፃኢታትን ተወሳኺ ሽፋን
ኣልበርታ ሰማያዊ ክሮስ ንኣልበርታውያን ገንዘባዊ ዓቕሚ ንምሕጋዝ ከምኡውን ንድሕንነት ብትሑት መኽሰብ ገልጋሎት ይህቦም።
ንዝተኣዘዙልካ መድሓኒታት፣ ንስኒ፣ ራእይ ምንክብኻብ፣ተመራጺ ናይ ሆስፒታል መዕረፍታት፣ናይ ሃንደበታዊ ናይ ሕክምና ጉዕዞታት፣ኣምቡላንስ፣ናይ ውሽጢ ገዛ ሕክምናን ናይ ነዊሕ እዋን ኪሮፕሮክተርን ከምኡ እውን ናይ ሂወት መድሕንን ናይ ሓጺርን ነዊሕን ናይ ውልቀሰባት፣ስድራቤትን ዓበይትን ኣካል ጉድኣት ሽፋን ሓዊሱ ንኹሎም ዓይነት ናይ ጥዕና ጥቕምታት ሽፋን ይምረጹ።
ማእኸል ጥዕና ሕብረተሰብ
ኣብ ባንፍ ዝተፈላለዩ ግልጋሎት ጥዕናታት ኣለዉ።
ብጥዕና ኣልበርታ ዝሽፈን ነጻ ኣገልግሎት
ኣብ ማእከል ጥዕና ማሕበረሰብ ከምዚ ዝስዕብ ይርከብ፥
ክታበታት (ካብ ሕማም ዝዕቅቡኻ መራፍእ)።
ግልጋሎት ጥዕና መገሻ።
ጥዑያት ግልጋሎታት ቆልዑ (ክታበትን ናይ ጥዕና ትምህርን ንወለዲ)።
ጥዑያት ኣዴታት ጥዑያት ሕጻናት። ምኽሪ ኣመጋግባ።
ናይ ጡብ ግልጋሎት።
ክሊኒካት ሽኮርያ።
ምኽሪ ኣእምሮኣዊ ጥዕና።