EnglishJapaneseTagalogTigrinyaFrench
 
 

ሽፋን ጥዕና

Alberta Health Care Insurance Plan (AHCIP)

ኣልበርታ ማእኸል ጥዕና ትልሚ መድሕን (AHCIP) ግልጋሎት ጥዕና ንምርካብ ምምዝጋቦም ርግፀኛ ይኹኑ

  • ሓደሽቲ ወይ ዝተመለሱ ተቐመጥቲ ኣልበርታ ንሆስፒታል ገንዘብ ወይ ክዓ ግልጋሎት ሓኪም ምእንቲ ኸይትኸፍሉ ናይ ኤች. ሲ. ኣይ. ፒ. (AHCIP) ምዝገባ ክተካይዱ ኣለኩም።

  • ክትምዝገብ ከለኻ ነዚ ዝስዕብ መረዳእታ ኸተቕርብ ኣለካ፦

    • መንነት (ብመንግስቲ ዝተወሃበ ናይ ፎቶ መለለዪ መንነት)።

    • ኩነታት ካናዳ (ፓስፖርት፣ ምስክር ወረቐት ልደት፣ ቀዋሚ መንበሪ፣ ፍቓድ ስራሕ)።

    • ኣብ ኣልበርታ ዚርከብ መንበሪ (ካብ ኣስራሒ እተላእከት ደብዳበ፣ ናይ ነዊሕ ግዜ ውዕል ክራይ ፣ ውዕል ስራሕ)።

    • ዝኾነ ይኹን በዓል ሞያ ጥዕና ኽትርኢ ኸለኻ ካርድ ክንክን ጥዕናኻን መለለዪ መንነት ፎቶኻን ኣርእዮ።

ናበይ ክኸዱ ይደልዩ፡

መዝገብ ባንፍ 103, 211 ጐደና ቢር

መድሕን ተወሳኺ ጥዕና

AHCIP ኩሎም ግልጋሎት ኣይሽፍንን ።

  • መድሓኒታት ከምኡውን ካልኣይ ደረጃ ግልጋሎት ጥዕና (ሓኪም ስኒ፣ ኦፕቶሜትሪስት፣ ፊዝዮተራፒስት፣ ወዘተ) ብኤች. ሲ. ኣይ. ፒ (AHCIP) ኣይሽፈኑን፡፡

  • ነዚ ናይ ጥዕና ጥቕምታት ፕሮግራም ንምርካብ ብቑዕ እንተኾይኖም ንኤች. ሲ. ኣይ. ፒ (AHCIP) ይሕተቱ፥

    • ንዓበይትን ቆልዑን ዝኸውን ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ናይ ጥዕና ፕሮግራማት ኣለዉ።

    • ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎም ሰባት ዝረኽብዎ ጥቕምን መደባትን።

    • ኣልበርታ ሓገዝን ንመዓልታዊ ናብራ ዘድሊ ጥቕምታትን ናውትን ዘድሊ ኣቕረቦትን።

 

ናይ ተወሰኽትን ትፅቢት ዘይተገበረሎም ወፃኢታትን ተወሳኺ ሽፋን

  • ኣልበርታ ሰማያዊ ክሮስ ንኣልበርታውያን ገንዘባዊ ዓቕሚ ንምሕጋዝ ከምኡውን ንድሕንነት ብትሑት መኽሰብ ገልጋሎት ይህቦም።

  • ንዝተኣዘዙልካ መድሓኒታት፣ ንስኒ፣ ራእይ ምንክብኻብ፣ተመራጺ ናይ ሆስፒታል መዕረፍታት፣ናይ ሃንደበታዊ ናይ ሕክምና ጉዕዞታት፣ኣምቡላንስ፣ናይ ውሽጢ ገዛ ሕክምናን ናይ ነዊሕ እዋን ኪሮፕሮክተርን ከምኡ እውን ናይ ሂወት መድሕንን ናይ ሓጺርን ነዊሕን ናይ ውልቀሰባት፣ስድራቤትን ዓበይትን ኣካል ጉድኣት ሽፋን ሓዊሱ ንኹሎም ዓይነት ናይ ጥዕና ጥቕምታት ሽፋን ይምረጹ።


ማእኸል ጥዕና ሕብረተሰብ

ኣብ ባንፍ ዝተፈላለዩ ግልጋሎት ጥዕናታት ኣለዉ።

  • ብጥዕና ኣልበርታ ዝሽፈን ነጻ ኣገልግሎት

    • ኣብ ማእከል ጥዕና ማሕበረሰብ ከምዚ ዝስዕብ ይርከብ፥

    • ክታበታት (ካብ ሕማም ዝዕቅቡኻ መራፍእ)።

    • ግልጋሎት ጥዕና መገሻ።

    • ጥዑያት ግልጋሎታት ቆልዑ (ክታበትን ናይ ጥዕና ትምህርን ንወለዲ)።

    • ጥዑያት ኣዴታት ጥዑያት ሕጻናት። ምኽሪ ኣመጋግባ።

    • ናይ ጡብ ግልጋሎት።

    • ክሊኒካት ሽኮርያ።

    • ምኽሪ ኣእምሮኣዊ ጥዕና።

 

ናበይ ክኸዱ ይደልዩ፡

ማእኸል ጥዕና ማሕበረሰብ ባንፍ፣
300 ጐደና ሊንክስ

403.762.2990


 
health-background-big.png
 

ሓበሬታ ጥዕና ኮቪድ-19

ንባዕሎም ን ካልኦትን ካብ ኮቪድ-19 ብኸመይ ክከላኸሉ ከምዘለዎም ይመሃሩ ከምኡውን እንተተቃሊዖም እንታይ ምገበሩ።

  • ናይ COVID-19 ሓገዝን ምርመራን።

  • ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ናይ ህዝቢ ጥዕና ቀይድታት።

  • ኮቪድ-19 ክትከላኸለሉ እትኽእል ክትባት።

  • ኣብ ግሉል ቦታ ዝግበር ሓገዝ።

  • ጥቕማ ጥቕሚታት ሕማም።

 
 

ዶክተር ይኣልሹ

በመንገዲ ቦው ቫሊ ቀዳማይ መርበብ/ምትእስሳር ጥዕና ዶክተር ይድለዩ።

  • aቆፀሮ ንምሓዝ ካርዲ/ቁፅሪ ጥዕና ኣልበርታ የድልዮም እዩ።

ናበይ ክኸዱ ይደልዩ፡

መርበብ ባንፍ ቦው ቫሊ ቀዳማይ ጥዕና፣
205, 111 መንገዲ ባንፍ

Call 403.985.7670

 

 

ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ወልፊን

ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ወልፊን ብዝምልከት ቅልጡፍ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ሕዚ ሓገዝ የድልዮም ዶ?

  • ህፁፅ፡ ሓለዋ ጥዕና ኣእምሮ ግልጋሎት ዝወሃብ እንትኸውን፣ ቆፀሮ ምሓዝ ኣየድልን።

  • ኣማኸርቲ ካብ ሰዓት 8፡00 ቀትሪ ክሳብ 3፡00 ናይ ለይቲ ይርከቡ እዮም።

ናበይ ክኸዱ ይደልዩ

ባንፍ ሚነራል ስፕሪንግስ ሆስፒታል፣
305 ጐደና ሊንክስ

403.762.2222

ሓገዝ ጥዕና ኣእምሮን ወልፊን

ናይ ኣእምሮ ጥዕና ሓገዝ ኣብ ለይቲ ይኹን ቀትሪ ድሕሪ ስሩዕ ናይ ስራሕ ሰዓታት ይህብ።

1.877.303.2642 (ናፃ ግልጋሎት)

ናይ 24 ሰዓት ጭንቀት ማዕኸል ቅልውላው መስመር

1.888.787.2880 (ናፃ ግልጋሎት)

ቆፀሮ ይሓዙ ህፁፅ ንዘይኮኑ ሓገዛት።

  • ህፁፅ-ዘይኮኑ፡ ግልጋሎት ምኽሪ ጥዕና ኣእምሮ ቆፀሮ ብምሓዝ ግልጋሎት ይርከቡ።

  • ግልጋሎት ምኽሪ ንውልቀሰባት፣ ጉጅለታት፣ መናእሰይን ወይ ቤተሰብ ዝወሃብ እዩ።

  • ካብ ድብርቲ፣ ቁጠዐ፣ ወልፍቲታት ኣልኮል፣ ዕፅን ጠላዕን ንምውፃእ ሓገዝ ይርከቡ።

ሰዓታት ካብ ሶኑይ- ዓርቢ፣ ካብ ንጉሆ ሰዓት 2:15 - 10:30 ድሕሪ ቀትሪ

 

Where to go:

Bow Valley Mental Health
and Addiction Services, Suite 101,
743 Railway Avenue, Canmore

Mental health and addictions counselling by appointment:

403.678.4696

 

 

ፆታዊ ወፀዓታት

ፆታዊ ወፀዓታት ዝበሃሉ ብዘይድልየት ዝግበሩ ፆታዊ ርክባት እዮም። ብዘይድልየት እቲ ሰብ ዝግበር ተግባር ወይ ባህሪ እዩ። እዚ ጉዳይ እንተኣጋጢምዎም ኣብ ባንፍ ሓገዝ ክረኽብሉ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ መንገድታት ኣለዉ።

  • ኣብ ዝኾነ ይኹን ርክብ፣ ኣብ ሓዳር ሓዊሱ ጾታዊ መጥቃዕቲ ኸጋጥም ይኽእል እዩ።

  • ክልቲኦም ወዲ ተባዕታይን ጓል ኣንስተይትን ግዳያት መጥቃዕቲ ወይ ዓመጽ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ።

  • መጥቃዕቲ እንተጋጢምካ ናትካ ጸገም ኣይኮነን።

  • በይንኻ ኣይኮንካን ። ሓገዝ እትረኽበሉ ብዙሕ ቦታታት ኣሎ።

ናበይ ክኸዱ ይደልዩ፡

ባንፍ YWCA

403.762.3200 ሶኑይ - ዓርቢ፣ ካብ ንጉሆ 3:00 ክሳብ 11:00 ድሕሪ ቀትሪ
403.762.3560 ድሕሪ ናይ ምሸት ሰዓት 11:00

 

ቦው ቫሊ ሃርሞኒ ፕሮጀክት

403.760.3200

Email: support@ywcabanff.ca

ግልጋሎት ውፁዓት ቦው ቫሊ

403.760.0197 (ቀትሪ)
403.762.2226 (ለይቲ)

ባንፍ ሚነራል ስፕሪንግ ሆስፒታል፣
305 ጐደና ሊንክስ

403.762.2222 (24 ሰዓታት)

Banff RCMP (Police), 335 Lynx Street

911 (ኣተሓሳሳቢ-ቅልጡፍ 24 ሰዓታት ህፁፅ)

403.762.2226 (ኣተሓሳሰብቲ- ዘይኮኑ 24 ሰዓታት)